ምስላታት

  1. 1. ሂብካ ኣይትኽላእ፤ ፈቲኻ ኣይትጽላእ
  2. 2. ሃይሞኖት ዘይብሉ ሰብን፤ ልጓም ዘይብሉ ፈረስን ፤ ሓደ
  3. 3. ህውከት፤ ይሰድድ በረኸት
  4. 4. ሃብታም ብወርቁ፤ ድኻ ብጨርቁ፤ ኩሎም ይጭነቑ
  5. 5. ሃሊሉ ንዝመጸካ ኣድጊ፤ ኣኽቢድካ ጽዓኖ
  6. 6. ሃብታም በዲሉ ይብል ፈንጠርጠር፤ ድኻ ተበዲሉ ይብል ቀብጠርጠር
  7. 7. ሃህ ንዝበለ ኣንበሳ፤ ኣይትቃለሶ፤ ስጋ ኣኾልሶ
  8. 8. ሃብታም ብዘይ ድኻ ኣይኮርዕን፤ ድኻ ብዘይ ሃብታም ኣይበልዕን
  9. 9. ሃብታም እንተ ሃበ፤ ዓይኒ ድኻ ደም ሰረበ
  10. 10. ሃካይስያ፤ ማይ ድራሩ
  11. 11. ሃብታም ብገንዘቡ፤ ድኻ ብጥበቡ፤ ይቀራረቡ
  12. 12. ሃዳናይ ንኸርሱ፤ መናኒ ንነፍሱ
  13. 13. መን ዘይነበረ፤ መንከ ዘይተቐብረ፧
  14. 14. መልክዕ ህድሞ ገበላ፣ መልክዕ ክዳን ነጸላ፣ መልክዕ ዘረባ ምስላ
  15. 15. መስከረምያ ዝሞተስ፤ ዳርጋ ዘይከረመ
  16. 16. መን ኣሎ መርማሪ፤ ብዘይካ ፈጣሪ
  17. 17. መለቅሒትያ ጎረቤትስ፤ መበስረዊት
  18. 18. ማይ ኣይጓዳእ፤ ዘረባ ኣይውዳእ
  19. 19. ርስቲ ንወራሲ፤ ግራት ንሓራሲ
  20. 20. ርጉም ን ርጉም፤ ተታሒዞም ናብ ህጉም
  21. 21. ለባም ተወከስ፤ ባላ ተሞርኮስ
  22. 22. ለባም እንተ ፈከረ፤ ዓሻ ይወግእ
  23. 23. ለባም ይሓስብ ናይ ዓመት፤ ዓሻ ይሓስብ ናይ ዕለት
  24. 24. ለይቲ ምድሪ ይግስግሱ፤ ሰይጣን ሓዚሎም ይምለሱ
  25. 25. ላዕላዩ ዝተዘርገ፤ ታሕታዩ ነይጸረየ
  26. 26. ላሕሚ ሓዊ ወሊዳ፤ ከይትልሕሶ ኣንደዳ፤ ከይትገድፎ ወሊዳ
  27. 27. ልቢ ውላድ ቀጥ፤ ልቢ ወላዲ ቀጥቀጥ
  28. 28. ልማዕ ዝበሎ ዓዲ ይመኻኸሩሉ፤ ጥፋእ ዝበሎ ዓዲ ይፋኻኸሩሉ
  29. 29. ሓሶትን ስንቅን፤ እናሓደር ይፈኩስ
  30. 30. ሓባልስያ፤ መጠመቲኣ ትኮሓል
  31. 31. ሓባኢ ቁስሉ፤ ሓባኢ ፈውሱ
  32. 32. ሓሰኻ፤ ደምበ ናብ ዝለምለመሉ
  33. 33. ሓዊ እንተተደጎለ፤ ዝጠፍአ ይመስል
  34. 34. ሓዊ ኣተወካ እንተበልዎስ፤ ደሓን ሓሰር ተኸዲነ ኣለኹ በለ
  35. 35. ሓዳረይ ዘሪገዮ ብጽጋበይ፤ ዝምለስ መሲሉኒ ከም ቀደመይ
  36. 36. ሓቂ ብዘገም፤ ኣይትህወክ ኣይትቐደም
  37. 37. ሕልሚ ፈሪሖም፤ ድቃስ ለይቲ ይስእኑ
  38. 38. መርዓዊ ከይሓዛ፤ ዓርኪ ሓዛ
  39. 39. መርፍእ ዝሓለፎ፤ ፈትሊ ይስለፎ
  40. 40. መገዲ፤ ምሰ ወዲ ዓዲ
  41. 41. ርግምቲ ከብዲ፤ ንጉሆ በሊዓ ምሸት ተናዲ
  42. 42. ርእየ ክልተ እያ፤ ኣይረኣኩን ሓንቲ እያ
  43. 43. ሰበይቲ ዘይብሉ ገዛ፤ ጥሪት ከም ዘይብሉ ደምበ
  44. 44. ሰብ ኣብ ዓዱ፤ እክሊ ኣብ ዓውዱ
  45. 45. ሰብ ኣማሚ፤ እዝጊ ፈጻሚ
  46. 46. ስጋ እንተ ወደቐት፤ ሓመድ ሒዛ ትትስእ
  47. 47. ሳእንኻ፤ ማዕረ እግርካ
  48. 48. ስጋ እግሪ ኣይትርአ፤ ዝበፀሐካ ርአ
  49. 49. ስጋ ወዲእኻ ዓፅሚ፤ ነገር ወዲእኻ ፈፅሚ
  50. 50. ሸውዓተ ዓመትያ ዝዓወረስ፤ ሓደ ለይቲ ኣይሓድርን በለ
  51. 51. ሸውዓተ ዓመት ከይመሃሩ፤ ሰብዓ ዓመት ይድንቁሩ
  52. 52. ሽመት፤ ንፈላጥ ይኸብዶ፣ንደንቆሮን የዕብዶ
  53. 53. ቀጢን ኢልካ፤ ተመን ኣይትርገጽ
  54. 54. ባሎንጋ ከይተሰብረ፤ ሰብ ከይተቐብረ ኣይትእመን
  55. 55. ቀቢሩ ዝምለስ'ሲ፤ ዝመዉት ዘይመስሎ
  56. 56. ቀሺ ናብ ዳዊቱ፤ ሓረስታይ ናብ ነዊቱ
  57. 57. ቀል ዓለም ክትገብሪ፤ ጾምኪ ከይትሓድሪ
  58. 58. ቆፎስ፤ ብማይ ዓብያ፤ ማይ ትፀልእ
  59. 59. ቆልዓ ብንኡሱ፤ ቆርበት ብርሑሱ
  60. 60. ብላዕ ዝበሎ ተቐሪቡ፤ ተሸከም ዝበሎ ድማ፤ ተጠሚሩ ይጸንሖ
  61. 61. በይኑ ዝምጉት ኣይርታዕ፤ በይኑ ዝጎይይ ኣይቅደም
  62. 62. ቡንሲ ጥዑም ነይሩ፤ ቁርሲ ቡን እንዶሞ ስጋ ሰብ ኮይኑ
  63. 63. ባዕላ ወሊዳቶ ኣይመሰለን፤ ባዕላ ሰንኪታቶ ኣይበሰለን
  64. 64. ባርያስያ፤ ሓጋዚኣ እንተረኣየት፤ መዲዳ ትሓብእ
  65. 65. ብርኪ ጎያዪት፤ ዓይኒ ተሃካዪት
  66. 66. ብዙሓት ይሃቡኻ፤ ብዙሓት ኣይውሰዱልካ
  67. 67. ተዓጢቖም ከይሕልዉ፤ ተዓጢቖም ይደልዩ
  68. 68. ተስኡለይ ኣይትበል፤ ኣብ ዝተስኡልካ ኮፍ በል
  69. 69. ተራኺቦም እንተለዉስ፤ መዓስ ንራኸብ ይብሉ
  70. 70. ተሰይሩ ዝጽገንሲ፤ ከም ዝነበሮ ነይከውን
  71. 71. ትክን ጽልእን፤ ንኹሉ ይልክም
  72. 72. ትዕግስቲ፤ ርእሲ ሃፍቲ
  73. 73. ነገር ክጠፍእ፤ ነገረኛ ይጥፋእ
  74. 74. ነዳይ፤ ናይ ልቡ ይሓልም
  75. 75. ናጽነት የኹርዕ፤ ስራሕ የብልዕ
  76. 76. ናብራ ጽቡቕ እዩ፤ ምስ ጽድቂ፤ ነጻነት ጥዑም ኢዩ፤ ምስ ሓቂ
  77. 77. ናእዳ ኣይተብዝሓለይ፤ መጽረፊ ከይትስእነለይ
  78. 78. ንመግቢ ኣኾምሲዕካ፤ ንነገር ኣስተውዒልካ
  79. 79. ንሓቂ፤ ዓድጋ እምበር፣ኣይትሽጣ
  80. 80. ንጉስ ሓላዊ ጌጋ፤ ኣሞራ ሓላዊ ስጋ