- 1. ሂብካ ኣይትኽላእ፤ ፈቲኻ ኣይትጽላእ
- 2. ሃይሞኖት ዘይብሉ ሰብን፤ ልጓም ዘይብሉ ፈረስን ፤ ሓደ
- 3. ህውከት፤ ይሰድድ በረኸት
- 4. ሃብታም ብወርቁ፤ ድኻ ብጨርቁ፤ ኩሎም ይጭነቑ
- 5. ሃሊሉ ንዝመጸካ ኣድጊ፤ ኣኽቢድካ ጽዓኖ
- 6. ሃብታም በዲሉ ይብል ፈንጠርጠር፤ ድኻ ተበዲሉ ይብል ቀብጠርጠር
- 7. ሃህ ንዝበለ ኣንበሳ፤ ኣይትቃለሶ፤ ስጋ ኣኾልሶ
- 8. ሃብታም ብዘይ ድኻ ኣይኮርዕን፤ ድኻ ብዘይ ሃብታም ኣይበልዕን
- 9. ሃብታም እንተ ሃበ፤ ዓይኒ ድኻ ደም ሰረበ
- 10. ሃካይስያ፤ ማይ ድራሩ
- 11. ሃብታም ብገንዘቡ፤ ድኻ ብጥበቡ፤ ይቀራረቡ
- 12. ሃዳናይ ንኸርሱ፤ መናኒ ንነፍሱ
- 13. መን ዘይነበረ፤ መንከ ዘይተቐብረ፧
- 14. መልክዕ ህድሞ ገበላ፣ መልክዕ ክዳን ነጸላ፣ መልክዕ ዘረባ ምስላ
- 15. መስከረምያ ዝሞተስ፤ ዳርጋ ዘይከረመ
- 16. መን ኣሎ መርማሪ፤ ብዘይካ ፈጣሪ
- 17. መለቅሒትያ ጎረቤትስ፤ መበስረዊት
- 18. ማይ ኣይጓዳእ፤ ዘረባ ኣይውዳእ
- 19. ርስቲ ንወራሲ፤ ግራት ንሓራሲ
- 20. ርጉም ን ርጉም፤ ተታሒዞም ናብ ህጉም
- 21. ለባም ተወከስ፤ ባላ ተሞርኮስ
- 22. ለባም እንተ ፈከረ፤ ዓሻ ይወግእ
- 23. ለባም ይሓስብ ናይ ዓመት፤ ዓሻ ይሓስብ ናይ ዕለት
- 24. ለይቲ ምድሪ ይግስግሱ፤ ሰይጣን ሓዚሎም ይምለሱ
- 25. ላዕላዩ ዝተዘርገ፤ ታሕታዩ ነይጸረየ
- 26. ላሕሚ ሓዊ ወሊዳ፤ ከይትልሕሶ ኣንደዳ፤ ከይትገድፎ ወሊዳ
- 27. ልቢ ውላድ ቀጥ፤ ልቢ ወላዲ ቀጥቀጥ
- 28. ልማዕ ዝበሎ ዓዲ ይመኻኸሩሉ፤ ጥፋእ ዝበሎ ዓዲ ይፋኻኸሩሉ
- 29. ሓሶትን ስንቅን፤ እናሓደር ይፈኩስ
- 30. ሓባልስያ፤ መጠመቲኣ ትኮሓል
- 31. ሓባኢ ቁስሉ፤ ሓባኢ ፈውሱ
- 32. ሓሰኻ፤ ደምበ ናብ ዝለምለመሉ
- 33. ሓዊ እንተተደጎለ፤ ዝጠፍአ ይመስል
- 34. ሓዊ ኣተወካ እንተበልዎስ፤ ደሓን ሓሰር ተኸዲነ ኣለኹ በለ
- 35. ሓዳረይ ዘሪገዮ ብጽጋበይ፤ ዝምለስ መሲሉኒ ከም ቀደመይ
- 36. ሓቂ ብዘገም፤ ኣይትህወክ ኣይትቐደም
- 37. ሕልሚ ፈሪሖም፤ ድቃስ ለይቲ ይስእኑ
- 38. መርዓዊ ከይሓዛ፤ ዓርኪ ሓዛ
- 39. መርፍእ ዝሓለፎ፤ ፈትሊ ይስለፎ
- 40. መገዲ፤ ምሰ ወዲ ዓዲ
- 41. ርግምቲ ከብዲ፤ ንጉሆ በሊዓ ምሸት ተናዲ
- 42. ርእየ ክልተ እያ፤ ኣይረኣኩን ሓንቲ እያ
- 43. ሰበይቲ ዘይብሉ ገዛ፤ ጥሪት ከም ዘይብሉ ደምበ
- 44. ሰብ ኣብ ዓዱ፤ እክሊ ኣብ ዓውዱ
- 45. ሰብ ኣማሚ፤ እዝጊ ፈጻሚ
- 46. ስጋ እንተ ወደቐት፤ ሓመድ ሒዛ ትትስእ
- 47. ሳእንኻ፤ ማዕረ እግርካ
- 48. ስጋ እግሪ ኣይትርአ፤ ዝበፀሐካ ርአ
- 49. ስጋ ወዲእኻ ዓፅሚ፤ ነገር ወዲእኻ ፈፅሚ
- 50. ሸውዓተ ዓመትያ ዝዓወረስ፤ ሓደ ለይቲ ኣይሓድርን በለ
- 51. ሸውዓተ ዓመት ከይመሃሩ፤ ሰብዓ ዓመት ይድንቁሩ
- 52. ሽመት፤ ንፈላጥ ይኸብዶ፣ንደንቆሮን የዕብዶ
- 53. ቀጢን ኢልካ፤ ተመን ኣይትርገጽ
- 54. ባሎንጋ ከይተሰብረ፤ ሰብ ከይተቐብረ ኣይትእመን
- 55. ቀቢሩ ዝምለስ'ሲ፤ ዝመዉት ዘይመስሎ
- 56. ቀሺ ናብ ዳዊቱ፤ ሓረስታይ ናብ ነዊቱ
- 57. ቀል ዓለም ክትገብሪ፤ ጾምኪ ከይትሓድሪ
- 58. ቆፎስ፤ ብማይ ዓብያ፤ ማይ ትፀልእ
- 59. ቆልዓ ብንኡሱ፤ ቆርበት ብርሑሱ
- 60. ብላዕ ዝበሎ ተቐሪቡ፤ ተሸከም ዝበሎ ድማ፤ ተጠሚሩ ይጸንሖ
- 61. በይኑ ዝምጉት ኣይርታዕ፤ በይኑ ዝጎይይ ኣይቅደም
- 62. ቡንሲ ጥዑም ነይሩ፤ ቁርሲ ቡን እንዶሞ ስጋ ሰብ ኮይኑ
- 63. ባዕላ ወሊዳቶ ኣይመሰለን፤ ባዕላ ሰንኪታቶ ኣይበሰለን
- 64. ባርያስያ፤ ሓጋዚኣ እንተረኣየት፤ መዲዳ ትሓብእ
- 65. ብርኪ ጎያዪት፤ ዓይኒ ተሃካዪት
- 66. ብዙሓት ይሃቡኻ፤ ብዙሓት ኣይውሰዱልካ
- 67. ተዓጢቖም ከይሕልዉ፤ ተዓጢቖም ይደልዩ
- 68. ተስኡለይ ኣይትበል፤ ኣብ ዝተስኡልካ ኮፍ በል
- 69. ተራኺቦም እንተለዉስ፤ መዓስ ንራኸብ ይብሉ
- 70. ተሰይሩ ዝጽገንሲ፤ ከም ዝነበሮ ነይከውን
- 71. ትክን ጽልእን፤ ንኹሉ ይልክም
- 72. ትዕግስቲ፤ ርእሲ ሃፍቲ
- 73. ነገር ክጠፍእ፤ ነገረኛ ይጥፋእ
- 74. ነዳይ፤ ናይ ልቡ ይሓልም
- 75. ናጽነት የኹርዕ፤ ስራሕ የብልዕ
- 76. ናብራ ጽቡቕ እዩ፤ ምስ ጽድቂ፤ ነጻነት ጥዑም ኢዩ፤ ምስ ሓቂ
- 77. ናእዳ ኣይተብዝሓለይ፤ መጽረፊ ከይትስእነለይ
- 78. ንመግቢ ኣኾምሲዕካ፤ ንነገር ኣስተውዒልካ
- 79. ንሓቂ፤ ዓድጋ እምበር፣ኣይትሽጣ
- 80. ንጉስ ሓላዊ ጌጋ፤ ኣሞራ ሓላዊ ስጋ