- 1. ኣብዘይ ውራዩ ዘሳሲ ኣይ ንጽድቂ ኣይ ንዓስቢ
- 2. ካራይ ጎሳስ ምስሑ ዝተሓሰብ ድራሩ ይከውን
- 3. ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ።
- 4. ደድሕሪ ኣድጊ ዚኸደ፡ ጥራጥ ኣድጊ ለመደ።
- 5. ደልድል ከይትዕሎ፡ ጽናዕ ከይትምናዕ።
- 6. ገረብ ብሓኽላ።
- 7. ኣነን ሓጺርኒ ይብል ኑስ ተደቢሩ ይስዓስዕ
- 8. ግርማ ከም ለይቲ፡ ምኽኒት ከም ሰበይቲ።
- 9. ጎረቤትካ ጭሕሙ ክላጸ፡ ንስኻውን ጭሕምኻ ማይ ኣጠልቅዮ።
- 10. ጤል የብለይ፡ ምስ ወዲ ነብሪ ጽልኢ የብለይ።
- 11. ጥሜት መዐሸዊ፣ ሕማም መበላሸዊ።
- 12. ጥንስቲ ሰበይቲ እንተጠረጠትሲ ዝሓረሰት ይመስላ።
- 13. ጮግራፍ'ሲ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ።
- 14. ጸላኢ፡ ጸሎሎ ቐባኢ።
- 15. ጸውዕ 'ተበልኩስ በዓል በለስ።
- 16. ጽምብላሊዕስ መቐመጭኣ ዘይከደነት፡ መሬት ከደነት።
- 17. ፈራሕ ከልብስ ካብ ዝብኢ ሃዲሙ፡ ኣብ ከልቢ ጎረቤት ይሕንሕን።
- 18. ፈታዊ ገንዘብ፡ ምስ ሰይጣን ይላዘብ።
- 19. ፈታዊኻን ጸላኢኻን ከም ሓደ ይጥይቑልካ።
- 20. ፈንፋኒ ማይ መዋቲ፡ ፈንፋኒ ሰበይቲ ጸናቲ
- 21. ፈኸራ ህበይ ምስ ነብሪ
- 22. ብልዒ ሓላፊ፡ ሽም ተራፊ
- 23. ብርኩታ ከምታ ሓውታ፡ ኣብ ውሽጣ እምኒ'ላታ
- 24. ብሓደ ወገን ተዛረቦ፡ ብሓደ ወገን ተላዘቦ
- 25. ለባም ይሓስብ ናይ ዓመት፡ ዓሻ ይሓስብ ናይ ዕለት..
- 26. ፍቅሪ ከልቡስ ፈሲ
- 27. ክልተ ዓያሹ፡ጋዓት ይኮላለሱ
- 28. ፈታዊ ነብሱ ኣየሰኒኻ፡ፈታዊ ከብዱ ኣይፍተኻ..
- 29. ተረቲዕና ከይብሉስ፡ይግባይ ይብሉ..
- 30. ጥዋፍ ንርእሳ ትሓርር፡ንካልኦት ግን ተድርር
- 31. ዝምዕዳ ንወደይ ዝሕዛ ወዲ ጉለይ
- 32. ዘይ ሓልፈላ ጭሩስ መስከረም ትዓውር
- 33. ተሓቢአን ይተንሰኦ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ
- 34. ምስ ቆልዓ ኣይትምከር ምስ ከልቢ ኣይትተሓባእ
- 35. ክሰርቀኒ ዝራኣክዋስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ
- 36. ትንዕ ዝበለካ ዳርጋ ዝወቕዓካ
- 37. ትንቢት ይመርሕ፡ ልጓም ይገርሕ
- 38. እንተ ዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ
- 39. ፈኪርካ ኣይትህደም ምሒልካ ኣይትጥለም
- 40. ሓቂ ዘረባ ሞት ቀረባ
- 41. ምስ ዓንዴል ዝለገበት ቆልቖል እንዳ ነበዐት ትነብር
- 42. ማዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዬም ይመጹ
- 43. ምስ ኣራጊት ምኽር ምስ ሓያል ውፈር
- 44. ለባም ተወከስ ቦላ ተሞርከስ
- 45. ሓደ ከይበልካ ክልተ የለን
- 46. እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣላሞዶ
- 47. ለይቲ ምድሪ ይግስግሱ ሰይጣን ሓዚሎም ይምለሱ።