ምስላታት

  1. 1. ኣብዘይ ውራዩ ዘሳሲ ኣይ ንጽድቂ ኣይ ንዓስቢ
  2. 2. ካራይ ጎሳስ ምስሑ ዝተሓሰብ ድራሩ ይከውን
  3. 3. ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ።
  4. 4. ደድሕሪ ኣድጊ ዚኸደ፡ ጥራጥ ኣድጊ ለመደ።
  5. 5. ደልድል ከይትዕሎ፡ ጽናዕ ከይትምናዕ።
  6. 6. ገረብ ብሓኽላ።
  7. 7. ኣነን ሓጺርኒ ይብል ኑስ ተደቢሩ ይስዓስዕ
  8. 8. ግርማ ከም ለይቲ፡ ምኽኒት ከም ሰበይቲ።
  9. 9. ጎረቤትካ ጭሕሙ ክላጸ፡ ንስኻውን ጭሕምኻ ማይ ኣጠልቅዮ።
  10. 10. ጤል የብለይ፡ ምስ ወዲ ነብሪ ጽልኢ የብለይ።
  11. 11. ጥሜት መዐሸዊ፣ ሕማም መበላሸዊ።
  12. 12. ጥንስቲ ሰበይቲ እንተጠረጠትሲ ዝሓረሰት ይመስላ።
  13. 13. ጮግራፍ'ሲ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ።
  14. 14. ጸላኢ፡ ጸሎሎ ቐባኢ።
  15. 15. ጸውዕ 'ተበልኩስ በዓል በለስ።
  16. 16. ጽምብላሊዕስ መቐመጭኣ ዘይከደነት፡ መሬት ከደነት።
  17. 17. ፈራሕ ከልብስ ካብ ዝብኢ ሃዲሙ፡ ኣብ ከልቢ ጎረቤት ይሕንሕን።
  18. 18. ፈታዊ ገንዘብ፡ ምስ ሰይጣን ይላዘብ።
  19. 19. ፈታዊኻን ጸላኢኻን ከም ሓደ ይጥይቑልካ።
  20. 20. ፈንፋኒ ማይ መዋቲ፡ ፈንፋኒ ሰበይቲ ጸናቲ
  21. 21. ፈኸራ ህበይ ምስ ነብሪ
  22. 22. ብልዒ ሓላፊ፡ ሽም ተራፊ
  23. 23. ብርኩታ ከምታ ሓውታ፡ ኣብ ውሽጣ እምኒ'ላታ
  24. 24. ብሓደ ወገን ተዛረቦ፡ ብሓደ ወገን ተላዘቦ
  25. 25. ለባም ይሓስብ ናይ ዓመት፡ ዓሻ ይሓስብ ናይ ዕለት..
  26. 26. ፍቅሪ ከልቡስ ፈሲ
  27. 27. ክልተ ዓያሹ፡ጋዓት ይኮላለሱ
  28. 28. ፈታዊ ነብሱ ኣየሰኒኻ፡ፈታዊ ከብዱ ኣይፍተኻ..
  29. 29. ተረቲዕና ከይብሉስ፡ይግባይ ይብሉ..
  30. 30. ጥዋፍ ንርእሳ ትሓርር፡ንካልኦት ግን ተድርር
  31. 31. ዝምዕዳ ንወደይ ዝሕዛ ወዲ ጉለይ
  32. 32. ዘይ ሓልፈላ ጭሩስ መስከረም ትዓውር
  33. 33. ተሓቢአን ይተንሰኦ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ
  34. 34. ምስ ቆልዓ ኣይትምከር ምስ ከልቢ ኣይትተሓባእ
  35. 35. ክሰርቀኒ ዝራኣክዋስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ
  36. 36. ትንዕ ዝበለካ ዳርጋ ዝወቕዓካ
  37. 37. ትንቢት ይመርሕ፡ ልጓም ይገርሕ
  38. 38. እንተ ዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ
  39. 39. ፈኪርካ ኣይትህደም ምሒልካ ኣይትጥለም
  40. 40. ሓቂ ዘረባ ሞት ቀረባ
  41. 41. ምስ ዓንዴል ዝለገበት ቆልቖል እንዳ ነበዐት ትነብር
  42. 42. ማዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዬም ይመጹ
  43. 43. ምስ ኣራጊት ምኽር ምስ ሓያል ውፈር
  44. 44. ለባም ተወከስ ቦላ ተሞርከስ
  45. 45. ሓደ ከይበልካ ክልተ የለን
  46. 46. እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣላሞዶ
  47. 47. ለይቲ ምድሪ ይግስግሱ ሰይጣን ሓዚሎም ይምለሱ።